Information in ትግርኛ
ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ንግዳያት ጾታዊ ተሌፎን ተረኛ ለይትን መዓልትን 08-123 646 70
ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ንግዳያት ጾታዊ ዓመጽ እንታይ ዓይነት ሓገዝ ክረክብ እኽእል?
ኣብዚ መን ግዳይ ከም ዝገበረኪ ብዘየገድስ ሓገዝ ትረኽቢ ኢኺ። እዚ ሰብ፡ ምሳኺ ቅርበት ዘለዎ ወይ ቅድሚ ሽዑ ጨሪሽኪ ረኺብክዮ ዘይትፈልጢ ክኸውን ይኽእል እዩ። ድሕሪ ’ቲ ግህሰት ክሳብ ሓደ ወርሒ ክትበጽሕና ትኽእሊ ኢኺ።
ምናልባት ንዝግበር ሕጋዊ መስርሕ ዝድግፍ መርትዖ ንምርካብ፡ ንፖሊስ ኣብ ምርመራኦም ዝሕግዞም ሕክምናዊ መርመራ ንኽትገብሪ ዕድል ክወሃበኪ እዩ። ከምኡ’ውን እቲ ዓመጽ ብኸመይ ከም ዝጸለወኪ ንኸተሰላስሊ ናይ ዝርርብ ዕድል ከወሃበኪ እዩ። ብተወሳኺ ሓኪምን ነርስን ብሕክምና ክከታተሉኺ እዮም።
ኣብዚ ክፍሊ፡ ሓኻይም፡ ነርሳት፡ ተሓጋገዝቲ ነርሳት፡ ክኢላታት ስነ-ኣእምሮን ኣማኸርትን ይሰርሑ። ኵሎም ኣብዚ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ንጾታዊ ዓመጽ ንዝተቓልዑ ሰባት ኣብ ምርካብ ሰፊሕ ተመኩሮ ዘለዎም እዮም።
ብኸመይ ኢኹም ትቕበሉኒ?
ናብዚ ንምብጻሕ 24 ሰዓታት ክፉት እዩ። ይኹን’ምበር ምብጻሕኪ ብዝተኻእለ መጠን ጽቡቕ ንኽኽውን መደብ ንኽንገብር ኣቐዲምኪ ክትድውልልና ኢና ንደሊ። ገሊኤን በይነን ክመጻ ክደልካ ከለዋ ካልኦት ድማ ምስ ዝፈልጥኦ ሰብ ብሓባር ክመጻ እየን ዝደልያ። እንታይ ከም ዝሕሸኪ ባዕልኺ ትውስኒ።
ናብዚ ክፍሊ ምስ መጻእኪ መጀመርታ እንታይ ክንገብረልኪ ከም እንኽእል ሓበሬታ ክወሃበኪ እዩ። ድሕሪኡ ስለምንታይ ናባና ከም ዝመጻእኪ ክትነግርና ኢኺ። ብሓባር ኴንና ኣየኖት መርመራታት ክትገብሪ ከም ትደልዪን ኣየኖት መርመራታት ከም ዝውሰዱን ክንውስን ኢና። ኵሉ ነገር ምሉእ ብምሉእ ብፍታው ዝግበር ኮይኑ፡ ሓደ ነገር ጽቡቕ ኮይኑ ምስ ዘይስምዓኪ ኣብ ዝኾነ እዋን ክትሕብርና ትኽእሊ ኢኺ።
ናይ ሓኪም ምብጻሕ ብኸመይ እዩ ዝካየድ?
ካብቲ ዝነገርክዮ ተበጊሱ፡ እቲ ሓኪም ኣየኖት መርመራታት ብቑዓት ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ክውስን ይኽእል እዩ። ይኹን’ምበር እንታይ ክትጻወሪ ከም ትደልዪ ባዕልኺ ኢኺ ትውስኒ። ናይ ምሉእ ኣካላት መርመራ ምግባር ኵሉ ግዜ ኣድላዪ ኣይኮነን። እንተኾነ ግን ክህልዉ ንዝኽእሉ ምልክታትን ኣሰራትን ምእንቲ ከይጠፍኡ ዓቢ ኣገዳስነት ክህልዎ ይኽእል እዩ።
እቶም ኣብ’ቲ ህጹጽ ምብጻሕ ዝውሰዱ መርመራታት፡ ኣብ’ቲ እዋን ዓመጽ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ተለኺፍኪ እንተ ዄንኪ ኣየርእዩን እዮም። ምኽንያቱ እዞም ሕማማት ኣብቲ መርመራ ንኽርኣዩ እንተ ወሓደ ክልተ ሰሙን ስለ ዝወስድ እዩ። ስለ’ዚ ንሕክምናዊ ምክትታል ድሕሪ ክልተ ሰሙን ንኽትመጺ ሓድሽ ቆጸራ ክወሃበኪ እዩ።
ዝርርብ ብኸመይ ክሕግዘኒ ይኽእል?
ምስ ሓደ ብዝርርብ ፈዋሲ ንኽትራኸቢ ዕድል ክወሃበኪ እዩ። ጾታዊ ዓመጽ፡ ንዝተወሰነ ግዜ እቲ ዘጓነፈ ነገር ኣብ ነብስኺ ከም ዘይወረደ ጌርኪ ኣብ ትርእይሉ ቅልውላው ከእትወኪ ይኽእል እዩ። ኣብ’ቲ ዝርርብ ግብረ-መልስኺ ንምርዳእን፡ ንዕኦም ንምግጣም ሜላ ንምርካብ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ልክዕ ከምቲ ዝስምዓኪ ንኽስምዓክን ግብረ-መልሲ ንኸተርእዪን ንነብስኺ ከተፍቅድላ ኣይትረስዒ።
ምስ ካልኦት ተመሳሳሊ ተመኩሮ ዘለዎም ሰባት ኣብ ናይ ዝርርብ ጕጅለ ንኽትሳተፊ እውን ዕድል ክወሃበኪ ይኽእል እዩ።
ድሕሪኡ እንታይ ከጋጥም እዩ?
ናባና ክትበጽኺ ከለኺ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመኪ ናብ ፖሊስ ምምልካት ኣይትግደዲን ኢኺ። ናብ ፖሊስ ከተመልክቲ ምስ እትደልዪ ግን ምስ ፖሊስ ርክብ ንኽትገብሪ ክንሕግዘኪ ኢና። ኣብ እዋን ህጹጽ ምብጻሕ ኣሰር ንምርግጋጽ መርመራታት ተገይሮም እንተ ኾይኖም፡ ምናልባት ናብ ፖሊስ ከተመልክቲ እንተ ዄንኪ ምእንቲ ክትሓስብሉ ክትክእሊ፡ ንኽልተ ዓመት ይዕቀቡ እዮም። እቶም መርመራታት ንዝነውሓ ግዜ ክዕቀቡ ምስ እትደልዪ ፡ ክትሕብርና ኣለኪ።
ንጾታዊ ገበን ዝተቓልዑ ሰባት ዝወሃብ ክንክን ከነመሓይሾን ከነማዕብሎን ንደሊ ኢና። ስለ’ዚ ናባና ንዳግመ ምብጻሕ ተመሊስኪ ክትመጺ ከለኺ፡ ብዛዕባ ነብስኺ፡
ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲን ብዛዕባ ኣብ’ዚ ክፍሊ ዝተገብረሊኪ ኣተሓሕዛ ከመይ ከም ዝተሰምዓክን ዝምልከት ሓደ ሓደ ሕቶታት ክትምልሲ ክንሓተኪ ንኽእል ኢና። ነቶም ሕቶታት ክትምልስዮም ዲኺ ከይትምልስዮም ባዕልኺ ኢኺ ትውስኒ።
- Alla Kvinnors Hus 08-6440920 ዝርርብ ንዓኺ ንኣካላዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ወይ ጾታዊ ዓመጽ ዝተቓላዕኪ።
- Kvinnofridslinjen 020-50 50 50 24 ሰዓታት ክፉት፡ ንዓኺ ንኣካላዊ፡ ስነ[1]ኣእምሮኣዊ ወይ ጾታዊ ዓመጽ ዝተቓላዕኪ ወይ ንሓደ ነዚ ገበን ዝተቓልዓ ሰብ ኣዝማድ።
- RFSL Stödmottagning 020-34 13 16 ንዓኻ ሆበተክዩው-ሰብ (HBTQ[1]person) ዝኾንካን፡ ንምስርጣይ፡ ምፍርራሕን ዓመጽን ዝተቓላዕካን።
- RFSU-kliniken 08-692 07 70 ንዓኻ ንዝኾነ ዓይነት ጾታዊ ዓመጽ ዝተቓላዕካ ወይ ናይ ሓደ ዝተቓልዓ ሰብ ዘመድ ዝኾንካ።
- Uppdaterad: 8 januari 2026