För att webbplatsen ska fungera bra för dig och för att samla in statistik som hjälper oss att förbättra den, använder vi kakor.
Om kakor (cookies)
För att webbplatsen ska fungera bra för dig och för att samla in statistik som hjälper oss att förbättra den, använder vi kakor.
Om kakor (cookies)
illustration röd ros som är ihopsydd med  vit träd gröna blad, rosa bakgrund

Öppningsoperation, patientinformation på tigrinja

ናይ ተሓካሚ ሓበሬታቅድሚን ድሕሪንዴፊቡሌሽን/ መጥባሕቲ ከይዲ ምኽፋትናይ ላብያ

ምኽንሻብ ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ/ግርዛት እንታይ ማለት እዩ?

ናይ ጓል ኣነስተይቲ ግርዛት ከካየድ እንተሎ፣ ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ሕክምናዊ ምኽኒያት ኩሉ ብልዕቲ ኣካላት ብዘይ ናይ ሕክምና ምኽንያት ክእለ/ወይ ክቕየር ከሎ ኢዩ። እዚ
ድማ ኣብቲ ዝመጽእ ህይወት ምኽንያት ናይ ብዙሓት ጸገማት ክኸውን ይኽእል ይኽእል። እቶም ጸገማት ድማ ከም ዓይነት እቲ መግረዝቲ ክፍላለዩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ እዋን
ፈርኦናዊ ግርዛት (ኢንፊቡሌሽን)፣ እዚ ማለት እውን እቲ ላብያ ኣብ ቅድሚ እቲ ቀዳድ ርሕሚ
ብሓደ ክጣበቕ እንከሎ ማለት ኢዩ።
እቲ ኣብ ቆርበት ዘሎ ንእሽቶ ነኻል መተሓላለፊ ዝተፈላለዩ ጸገማት ከስዕብ ይኽእል፡

  • ሽንቲ ንምሻን ኣጸጋሚ ክገብሮ ይኽእል ወይ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል
  • ናይ ወርሓዊ ጽግያት ጸገማት ከጋጥሙ ይኽእሉ
  • ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝግበረሉ ቃንዛ ከስዕብ ይኽእል፡ ወይ ኣጸጋሚ ክገብሮ ይኽእል ወይ'ውን ክትገብር ዘይከኣል ክገብሮ ይኽእል
  • ናይ ማህጸን ሕክምናዊ ምርመራ ምግባር፣ ንኣብነት ናይ ኣፍ ማህጸን ፓፕ ስሚር (መርመራ ካንሰር ናይ ማህጸን) መርመራ ንምክያድ ኣጸጋሚ ክገብሮ ይኽእል ወይ'ድማ ፈጺሙ ከም ዘይክከኣል ክገብሮ ይኽእል።
  • ኣብ እዋን ሕርሲ፡ ነቲ ንቡር ናይ ኣገባብሕርሲ ኣሸጋሪ ግበሮ ይኽእል፡ ወይ ናይ ማህጸን ሕክምናዊ መርመራ ንምክያድ ኣጸጋሚ ክገብሮ ይኽእል

እቲ ከይዲ መጥባሕቲ፡

እቲ ኣብ'ቲ መኻፍቶ ናይ ላቢያ ጸቢብን ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ጸገማት ዘስዕብን እንተኾይኑ፣ ናይ ምኽፋት መጥባሕቲ ወይ ድማ ደፊቡለሽን ተባሂሉ ዝጸዋዕ፡ ብምክያድ ክንሕግዝ ንኽእል ኢና።
እቲ ክኢላ መጥባሕቲ (ዶክተር) ነቲ ኣብ መተሓላለፊ ጫፍ ቆርበት ርሕሚ ዘሎ ቀዳድ
መጀመርያ ክኸፍቶ ይኽእል፡ ድሓር ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ጫፍ ክሰፍዮ ይኽእል እዩ። እቶም ስፌታት ኣብ ከይዲ ምሕዋይ፣ ክሕግዙ፡ ቃንዛ ክቕንሱ ከምኡ'ውን ነቲ ላብያ ነሓድሕቡ ክጣበቕን
ኣብ ግዜ ሕቅየት ናብ ንቡር ክምለስን ክሕግዙ ይኽእሉ። እቶም ስፌታት ንኣስታት
2-3 ሰሙናት ክጽንሑ ዝኽእሉ ኮይኖም፣ ግዜኦም ሓልዮም ባዕሎም ክሓቑ እዮም። ኣብ'ቲ ናይ መተሓላለፊ ቆርበት ዝወሃብ ከባቢያዊ መድንዘዚ ብመርፍእ ክወሃበኪ እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ እዋን መጥባሕቲ ቃንዛ ከይስመዓኪ
ዝገብር እዩ። እቲ መጥባሕቲ ዋላ ጥንስቲ እንከለኺ ክግበር ዝኽእል እዩ።

ቅድሚ እቲ መጥባሕቲ፡

ቅድሚ ነቲ መጥባሕቲ ምግባርኪ ኣብ ዝህሉ ግዜ
ህይወትኪ ከም ልሙድ ክትመርሒ/ክትነብሪን ትኽእሊ ኢኺ፣ ናብ ክሊኒክ ቅድሚ ምምጻእኺ ድማ ምግቢ ክትወስዲ ይምከር። ኣብ እዋን ቆጸሮኺ ብሰዓቱ ተረኸቢ። ድሕሪ እቲ መጥባሕቲ ብቐጥታ
ናብ ገዛኺ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ።
ነቲ መጥባሕቲ ንምግባር ናይ 1.5 ሰዓታት ክተርፎ እንከሎ፣ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተውሃበኪ ናይ መደንዘዚ ክሬም ናብ'ቲ ከባቢ መተሓላለፊ ቆርበት ናይ ርሕሚ ክትገብሪ ትኽእሊ፡
ከም ኡውን ናይ ቃንዛ አድሃኒት ክትወስዲ ትኽእሊ፡
-2 ኣልቪዶን (ፓራሲታሞል) 500 ሚ.ግ ን 1 ኢቡፕሮፊን፡ እዚ ድማ 400 ሚግ ጥንስቲ እንተዘይኮይንኪ።
-2 ኣልቬዶን (ፓራሲታሞል) 500 ሚ.ግ ጥንስቲ እንተኾይኒኪ።
ኣብ'ቲ መጥባሕቲ ዝካየደሉ ዕለት፣ ናብ'ቲ ቅድሚ ኢሉ ኣብ ዝነበረ መብጻሕቲኺ ነቲ ዶክተር ዝተራኸብክሉ፣ ጋይንሞታኒንገን (ደረጃ 0፡ መሳልል B)፣ ብምኻድ ኣብ'ቲ ናይ ጋሻ መቐበሊ ዴስክ ተመዝገቢ።

ድሕሪ መጥባሕቲ፡

  • ነቲ ናይ ብልዕትኺ ከባቢ ማይ ጥራሕ ብምጥቃም፣ ሳሙና ከይተጠቐምኪ ኣጽርይዮ
  •  ኣብቲ እትሸንሉ ፈለማ ግዜ ብማይ ጌርኪ ነቲ ብልዕትኺ ብማይ ከተጽርይዮ ምቹእ ኮይኑ ክትረኽብዮ ትኽእሊ ኢኺ
  • እንተወሓደ ን 4 ሰሙናት ወይ እቲ ቁስሊ ክሳብ ዝደርቕ/ዝሓዊ
    ጾታዊ ርክብ ካብ ምግባር ክትዕቀቢ ኣለኪ
  • ንሰለስተ ሰሙናት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣይትግበሪ
  • መጥባሕቲ ድሕሪ ምግባርኪ ኣብ ዘሎ ፈለማይ መዓልቲ ቃንዛ ክስመዓኪ ይኽእል እዩ። ነቲ ቃንዛ ንምቕናስ ስሩዕ ብዝኾነ መልክዑ ጸረ ቓንዛ መድሓኒታት ተጠቐሚ።
    2 ኣልቬዶን (ፓራሲታሞል) 500 ሚ.ግ ኣብ መዓልቲ 3 ግዜ።
    እንተደኣ ጥንስቲ ዘይኮንኪ ኮይንኪ ወይ ኣለርጂ ዘይብልኪ ኮይኑ፣ 1 ኢቡፕሮፊን 400 ሚ.ግ ክትውስኽሉ ትኽእሊ ኢኺ ኣብ መዓልቲ 3 ግዜ።
    ነቲ ነድራዊ ቃንዛ ክቕንስ ዝኽእል ናይ መድነዘዚ ጄል/ኣንስቴቲክ እውን ክወሃብኪ እዩ። ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ግዜ ነዚ ጄል ክትቅብእዮ ትኽእሊ ኢኺ።
  • እቲ ቃንዛ በቢመዓልቱ እናቐነሰ ክመጽእ ኣለዎ
  • ኣድላዪ ኣንተኾይኑ፣ ድሕሪ እቲ መጥባሕቲ ክሳብ ሓደ ሰሙን ንዝኸውን ግዜ ናይ ስራሕ ዕረፍቲ ክትወስዲ ትኽእሊ ኢኺ

እንተደኣ ናይ ሰብነትኪ ሙቐት መጠን ካብ 38 ዲግሪ ሴልሺየስ ንላዕሊ ኮይኑ፣ ወይ
ዘሎኪ ቃንዛ እናገደደ እንተኸይዱ፣ በጃኺ ናብ Gynmottagningen (ጋይንሞታጂንጀን) ኣብ 08-123 627 00 ኣብ እዋን
ቀትሪ ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ፣ ወይ ድማ ዘይስሩዕ ሰዓታት እንተኾይኑ (ምሸት፣ ለይቲ ወይ ኣብ ቀዳመ ሰንበት) ን Gynakuten (ጋይናኩተን)
ኣዘራርቢ።
እንተደኣ ቅድሚ እቲ መጥባሕቲ ሕቶታት ኣለውኺ ኮይኖም፣ ን Gynmottagningen (ጋይናሞታጂንጀን) ክተዘራርቢ ትኽእሊ ኢኺ።

  • Senast granskad: 22 april 2025
För att kunna ge feedback behöver du tillåta kakor..