
Patientfolder – Tigrinja / ነብሪ
ሕቶታትዶ ኣሎኪ ይኸውን?
ምስ AMEL, መቐበል-ሕክምና ዝተኸንሸባ ኣንስቲ ርክብ ግበሪ ቴሌፎን፡ 08-123 627 00
amelmottagningen.sodersjukhuset@regionstockholm.se
ኣድራሻ፡- Södersjukhuset. Gynekologiska mottagningen:
ቱነ-ልባና: Skanstull. ኣውቶቡስ ቁ. 3 ናብ Södersjukhuset
ናይ ቴሌፎን ሰዓታት
ሰኑይ-ሓሙስ፡ ሰዓት 08-12 ከምኡውን 13-15
ዓርቢ፡ ሰዓት 08-12.
ብኣገባብ 1177 Vårdguidens e-tjänster ጌርኪ ውን ክትራኸብና ትኽእሊ ኢኺ። ናብ ኣድራሻ ኢንተርነት www.1177.se(Extern länk) ብምእታው ክትገብርዮ ትኽእሊ ኢኺ።
ኣብ 1177 Vårdguiden ደዊልኪ ውን፥ ካብቲ ን24 ሰዓታት ክፉት ዝዀነ፥ ናይ ሕክምና
እንታይ ሓገዝን ሕክምናን ክትረኽቢ ትኽእሊ?
እቲ ንሕና ንህቦ ሓገዝ፥ ኣብ ናትኪ ናይ ሓገዝ ኣድላይነት ዝተመርኰሰ እዩ፥ ንኣብነት፡-
ምስ ሓንቲ ኣማኻሪት (ኩራቶር) ተራኺብኪ ምዝርራብ
ብዛዕባ’ቲ ዘሕለፍክዮ ተሞኩሮ ምዝርራብ ምስ ትደልዪ፥ ንሓንቲ ኣማኻሪት
ክትረኽቢ እኺ።
ምርመራ ምግባር
ከከምቲ ሕክምና የድልየኒ’ዩ ትብልዮ ሽግራትኪ፥ ነንበይኑ ዓይነታት ”ጂኖኮሎጂያዊ” ምርመራታት ይግበረልኪ።
መጥባሕቲ
እቲ መእተዊ መሸኒኺ እንተ ደኣ ኣዝዩ ጸቢቡ፥ ንዕኡ ናይ ምዕራይ መጥባሕቲ ሓገዝ ክንገብረልኪ ኢና። ክሳዕ ክንደይ ዝኣክል ክኽፈት ከም ትደልይዮ፥ ንስኺን እታ ዶር ሕክምና ደቂ-ኣንስትዮን (ጂኖኮሎገን) ሓቢርክን ክትውስና ኢኽን። ምስ ናይ ሕርሲ ኣጋጥሚ ዝመጸ መጥባሕቲ ዘድልዮ መትጕዳእቲ ውን ክህሉ ይኽእል እዩ። እቲ ዚግበር መጥባሕቲ፥ ብድሕር’ቲ እትገብርዮ ቀዳማይ ጊዜ ምብጻሕ፥ ጸኒሑ ዚግበር እዩ። ኣብቲ ጊዜ መጥባሕቲ፥ ናይ መደቀሲ ሕክምና ክግበረልኪ ወይ ካልእ ዓይነት መደንዘዚ ክግበረልኪ እዩ።እቲ መጥባሕቲ ፍጹም ዘየቐንዙ እዩ። ከም ግቡእ፡ ሓደ ፍርቂ መዓልቲ ዚኸውን ኣብ ቤት ሕክምና ክጸንሕየ ኢልኪ ሕሰቢ።
ሕጊ ሽወደን ከም ዝብሎ
ኣብ ሽወደን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ክንሸባ (ግርዘት)፥ ካብ 1982 ጀሚሩ ብሕጊ ክልኩል እዩ።
ሕጊ 1 § ኣብቲ ደጋዊ ክፋል ናይ ጓል-ኣንስተይቲ ጾታዊ መሳርዕ፥ ክትክንሽብ (ክትቆርጽ) ኢልካ ወይ ካልእ ዘላቂ ምቕያር ከምጽእ’የ ኢልካ ዚፍጸም ናይ ምጕንዳብ (ምግራዝ) ተግባር፥ ዋላ’ኳ እታ ሰብ ከምኡ ክግበር ሕራይ ኢላ ናይ ምስምምዓ ቃል እንተ ሃበት፥ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣይግባእን እዩ።
ናብዚ መቐበል-ሕክምና ዝተኸንሸባ ኣንስቲ፥ ባዕልኺ ክተመልክቲ ትኽእሊ ኢኺ። ወይ ውን ንኣብነት ካብ ማእከል-ጥዕና ኣዴታት (mödravård) ወይ ካብ
መቐበል-ሕክምና መንእሰያት (ungdomsmottagning) ወይ ውን ካብ ካልእ መቐበል-ሕክምና ደቂ-ኣንስትዮ ወይ ካብ ሓኪም-ስድራቤት፥ ናይ ምልክታ ጽሑፍ ኣብ ክንዳኺ ከመልክቱልኪ ይኽእሉ እዮም።
ኣብ’ዚ መቐበል ሕክምና’ዚ መን እየን ዝሰርሓ?
ኣብዚ ደቂ-ኣንስትዮ ዶክቶራትን ኩራቶራትንን እየን ዝሰርሓ። ኣድላዪ ኰይኑ ምስ ዚርከብ፥ ሞያውያን ደቂ-ኣንስትዮ ተርጐምቲ ንጥቀም ኢና። እዚ ድማ፡ መታን ዘይምርድዳእ ንኸይርከብ ኢልና ኢና። ስለዚ ድማ፡ ዘመድ ወይ መሓዛ ክተጉምልና ኣይፈቅድን ኢና። ኩላተን ሰራሕተኛታት ድማ፡ ምስጢር ናይ መሓዝ ግዴታ ኣሎወን።
እቲ ደቂ-ኣንስትዮ ሓገዝ ዝሓታሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ?
እቲ ልሙድ ደቂ-ኣንስትዮ ሕክምና ዝሓታሉ ሽግራት፥ እዞም ዚስዕቡ እዮም፡-
- እቲ መእተዊ መሸኒ ጸቢቡ፥ ከይተቐዞኻ ጾታዊ ርክብ ንምግባር ስለ ዘይክኣል
- ሽንቲ ንምኽዓው ስለ ዝጻገማ
- ኣብ ወርሓዊ ናይ ኣዴታት ደም ምምጻእ ስለ ዝሽገራ
- ንናይ ጾታዊ-መሳርዐን ጥዕና ንምቁጽጽር ምስ ዝደልያ
- ኣብቲ ጊዜ ግርዘተን ኣብ ልዕሊአን እንታይ ከም ዘጋጠመ ንኽፈልጣ
- ብዛዕባ’ቲ ኣብ ጊዜ ግርዘተን ዘጋጠመን ስምዒት ምዝራብ ስለ ዘድልየን
- ብዛዕባ ናይ መጻኢ ጥንስን ሕርስን ንምዝርራብ፥ ንኣብነት እንታይ ምድላዋት ንምግባር ከም ዘድሊ ንምፍላጥ
- ብዛዕባ መከላኸል ጥንሲ ምኽሪ ንምርካብ
- ብዛዕባ ካልእ፡ ምስ ምግራዝ ዘይተኣሳሰር ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ሽግራት ንምዝርራብ
- Senast granskad: 22 april 2025